መድሕን ጥዕና ኣብ ስዊዘርላንድ፡ መምርሒ ንሓደስቲ
Health Insurance in Switzerland: A Guide
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰረታዊ መድሕን ጥዕና (Grundversicherung / KVG) ክህልዎ ብሕጊ ግዴታ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ ምምጻእኩም ክትምዝገቡ ኣለኩም።
ቀንዲ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ቃላት፡ Prämie — ወርሓዊ ዝኽፈል መድሕን። Franchise — ኣብ ዓመት ባዕልኹም እትኸፍልዎ መጀመርታ መጠን (ካብ 300 ክሳብ 2500 ፍራንክ)። Selbstbehalt — ድሕሪ Franchise፡ 10% ናይቲ ወጻኢ ባዕልኹም ትኸፍሉ።
መሰረታዊ መድሕን ኣብ ኩሉ ኩባንያታት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ይሽፍን፤ ዋጋ ግን ይፈላለ። ስለዚ ምንጽጻር ይጠቅም።
ኣታዊኹም ውሑድ እንተኾይኑ፡ ካብ ካንቶንኩም ናይ መድሕን ደገፍ (Prämienverbilligung) ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም — ብዙሓት ሰባት መሰል ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት፡ መድሕን ብዘየገድስ ሕክምና ክትረኽቡ መሰል ኣለኩም። 144 ደውሉ።
ብዛዕባ ኩነታትኩም ዝምልከት ሕቶ እንተሃልዩኩም ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ኮሙንኩም ተወከሱ።